![]() |
![]() |
![]() |
|
|
||
ዓቢ ብስራት
ንምምስራት ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ
ንሓምለ 3-4
ኣብ ከተማ ቺካጐ (ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ)
ኤርትራ ብሰንኪ ነዊሕ ናይ ሓርነት ውግእን ከምኡ’ውን ባህርያዊ ይኹን ሰብኣዊ ግህሰት ዝፈጠሮምን ኣዝዮም ብዙሓት ናይ
ኣካልን ናይ ኣእምሮን ጽጉማን (ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ) ዝርከቡዋ ሃገር’ያ።
ናይ ሓርነት ስንኩላትና ይኹኑ ብሰንኪ ባህርያዊ ይኹን ሰብኣዊ ግህሰት ንዝሳቐዩ ወገና፡ ጸገሞም ንምቅላልንን ፍታሕ ናይ
ምርካብን ንዓና ንኤርትራውያን፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ ሃገራዊ ግቡኣትና ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና። ጥራሕ እቲ ዝውፈ ንዋትን
ገንዘብን ኣብ ዕላማኡ ከምዝወዓለ ትኽክል ጸብጻብ ይረጋገጽ እምበር፡ ህዝቢ ንጽጉም ወገኑ ክረድእ ድሕር ከምዘይብል
ንኣምን። ናይ’ዚ መራጋገጺ ብዙሕ ኣብነታት ክቕርብ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ብሓጺሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓጺር ኣዋርሕ፡ ናይ
ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ (ከሰላ) ናይ ዓመት 2009 በጀት ንምኽታት፡ ኣብ ዝተኻየደ ለጋስ ኣስተዋጸኦ እኹል
መረድእን መረጋገጽን ኣለና።
ስለዚ ተሞኩሮናን ክውንነትና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቀጻልን ዘላቕን ፍታሕ ምጥዋሮም ዘውሕስ፡ ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ናይ
ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ምምስራት ምዃኑ ተሰማማዕናሉ።
ተበግሶ ሕዳር ናይ 2008ን ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማንን ብውህደት፡ መጽናዕትን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡
ኣብ ናይ 9 ታሕሳስ 2009 ዓ.ም. ስሩዕ ኣኼባ፡ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ኣሜሪካ ክምስረት ወሰነ።
ነዚ ዕማማ’ዚ እተዋሃህድን ክዉን እትገብርን ኣሳናዳዊት ሽማግለ’ውን ኣብ 9 ጥሪ 2010 መዚዙ፡ ቦታን ዕለትን ጉባኤ
ወሰኑ።
ኣሳናዳዊት ሽማግለ ንምምስራት ናይ ኤርትራ ኣካለ-ጽጉማን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ነዚ ታሪኻዊ ዕማም’ዚ ንምስልሳል፡ ነብሳ
ሰሪዓ ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ። ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያንን ፈተውትን ነዚ ታሪኻዊ ጉባኤ’ዚ ዕዉት ንምግባር ዘይተቖጠበ
ደገፍ ክገብሩልና ንጽውዕ።
ብደረጃ ካናዳ’ውን ተማሳሳሊ ናይ ስራሕ ንጥፈታት ይካየድ ከምዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።
ኣሳናዳዊት ሽማግለ ንምምስራት ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ኣሜሪካ።