Home About Contact Mission Background Hidar08Project Video Membership  

ኣገዳሲ ሓበረታ ንኩሉ ርትራዊ።  29.03.2010

                ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብዕሊ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ካብ ዝምስረት እነሆ 7 ዓመታት ኣሕሊፉ። ጨናፍሩ ከኣ ኣብ ሱዳንን ጀርመንን መስሪቱ ይርከብ። ሎሚ ዓመት ከኣ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ንምምስራት እነሆ ይዋደድ። ንዓወቱ ከኣ ፍጹም ምጥርጣር የብሉን። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ዕላማኡ ቁዱስን ሰብኣውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነጻን ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ መርሆ ዝዓተረ ስለዝዀነን ኢዩ።

 

Association of Disabled Eritreans in North America, Inc.

417 Buchanan Street, NW, Washington, DC 20011
FOR IMMEDIATE RELEASE

North America Chapter of the Association of Disabled Eritreans formed.
The Association of Disabled Eritreans in North America, Inc was officially formed under the provisions of the District of Columbia NonProfit Corporation Act on 9th day of March 2010 and complied with the requirements of the Internal Revenue Service.

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን
ሓጺር ጸብጻብ ካብ ዝተመስረትሉ እዋን


እሱ ከኣ እቲ ሕግታት ምሕበር ምክታዕን ምጽጻይን፤ ስም ማሕበር ምሕራይን፤ ምስ ናይ ሃገርን መንግስትን ፈረንሳ ዘራኽበና ሕጋዊ መስኖታት፤ ምርኣይን፤ ብሓደ ወገን፤ በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ ኵነታትን ሃለዋትን ናይቶም ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ዝነበሩ ዝነበሩ ጽጉማትን፤ ደቂቕ መጽናዕቲ ተገይሩ። እዚ ከኣ ብ2001 ዓ.ም.ፈ. ተደምደመ። ማሕበርና ከኣ ብዕለት 02.02.2002 ዓ.ም.ፈ. ተመስረተን ተኣወጀን።

Read More
ዓቢ ብስራት ንምምስራት ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንሓምለ 3-4 ኣብ ከተማ ቺካጐ

(ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ) Sun 2/7/2010
ኤርትራ ብሰንኪ ነዊሕ ናይ ሓርነት ውግእ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ኣካልን ናይ መንፈስን (ኣእምሮ) ጽጉማን ዝርከቡዋ ሃገር’ያ። እዚ ኩነታት’ዚ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ጸገም ናይ’ቶም ጥቑዓት ወይ ግዳያት ናይ’ዚ ሃለዋት’ዚ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ ኣይግባእን። ናይ ሓርነት
 
Read More
ሌላ ምስ አብ ከሰላ ዝርከቡ ናይ ሓርነት ውጉአትና ቁ1 ሌላ ምስ አብ ከሰላ ዝርከቡ ናይ ሓርነት ውጉአትናቁ2
 

   

                         ምሕጋዝ ውጉኣት ሓርነት ተበግሶ ሕዳር 2008

02-08-2009
 

ኣገዳሲ ሓጺር መብርሂ

 

ሳላ ውፉይ ተበግሶን ሓልዮትን ናይ ኣዝዮም ብዙሓት፡ እቲ ናይ ቀዳማይ ሽቶ ዕማምና ተዓዊቱ። ዓመታዊ ባጀት ናይ 2009 ተረጋጊጹ። ወፈያን ግን ይቕጽል ኣሎ።

ዓመታዊ ባጀት ናይ 2009 ተረጋጊጹ ኢልና ክንሕብር ከለና፡ ጌና ክምለስ ዘለዎ ናይ ቀጻልነት ሕቶ ምህላው ከይጠቐስናዮ ኣይንሓልፍን። እንታይ?ዩ ናይ ቀጻልነት ሕቶ?

1.     ድሕሪ 2009፡ ደገፍናን ሓገዝናን ንውጉኣት ሓርነት ከመይ ኢሉ ኢዩ ክቕጽል?

2.     ዘላቒ ፍታሕ እንታይን ከመይን ዝበለ ኢዩ? ወይ ብቐጻሊ ንውጉኣት ሓርነትና ኩሉ ኣኸለ-መሰለኦም ዝኸትት ውሕስነት፡ ከመይ ከነረጋግጾ ንኽእል?

ብውሕዱ ነዘን ሕቶታት እዚኣተንን፡ ብቕልጡፍ ምምላስ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ።
 Read More

ትማሊ መጋድልትና ሎሚ ሓላፍነትና