Home About Contact Mission Background Hidar08Project Video Membership  

ዕላዊ መግለጺ
ሺካጎ 07-04-2010










ታሪኻዊ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሓምለ 3 2010 ኣብ ከተማ ሺካጎ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብዕሊ ተመስሪቱ።
 

ቅድም ኢሉ፡ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንምስንዳእ መስራቲ ጉባኤ ንምቛም ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ: ንምቅናዕ ኣብ ምንቅስቓስ ጸኒሓ።  ኣሳናዳኢት ሽማግለ፡ ማሕበር ዝምራሓሉ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ፖሊሲ፡  ቅርጻ ኣመራርሓ  ነዲፋ ናብ ጉባኤ ኣቕሪባ። ጉባኤኛ፡ ንዝቐረበሉ ንድፊ ዘትዩ፡ ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ውሳኔታት ኣጽዲቑ። ጉባኤ፡ ንክልተ ዓመት፡ ማሕበር ንዝመርሕ ቦርድ መዚዙ።..

 

 መደረ ሓው ጸጋይ ነጋሽ ኣ/ወ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን
ኣብ መስራቲ ጉባኤ ማሕበር



 

መሞራንዱምን ምስጋናን

ሺካጎ፡ ሓምለ 3፡ 2010
እዚ መሞራንዱምን ምስጋናን’ዚ፡ ብኣቦ-መንበር ኣሳናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ምስረታ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ተዳልዩ ዝቐረበን ጉባኤኛ ብጠቓዒት ኣስንዩ ዝተቐበሎን’ዩ።
 

ብስም ኣሳናዳኢት ሽማግለ ናይ መስራቲ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኣገዳሲ ዝበልናዮ፡ ምስጋናን መዘኻኽርን/መሞራንዱም ናብ መስራቲ ጉባኤ ከቕርብ ኣፍቁድለይ።

“ጽቡቕ ንዝገበረልካ፡ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብል ናይ ኣበው ምስላ ክጥቀም’የ። ልክዕ’ዩ ጽቡቕ ምግባር፡ ንባዕሉ ኢዩ ጽቡቕን ግሩምን ዝኸውን። እቶም ኩሎም፡ ንስለ ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ፡ ወርቃዊ ጊዜኦም ዘወፈዩን፡ ብገንዘብ ይኹን ብሞራል ኩሉ ዝከኣሎም ዘወፈዩን ዘበርከቱን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ብኣጋጣሚ ምስረታ ጉባኤ ማሕበርና፡ ልዑል ምስጋና ከቕርበሎም ብትሕትና እሓትት።

ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ዓመታት፡ ብቐጻሊ ይኹን ኣብ ገለ እዋን፡ ብናይ ግበረ-ሰናይ ማሕበራት ንመደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ይኹን ኣብ ዝሃልዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ ኣብ ብረታዊ ገድሊ ኤርትራ ንዝሰንኩሉ ውልቀ-ሰባትን ማሕበራትን፡ ዓቕሞም ዘፍቅዶ ንዝሓገዙን ንዝተሓባበሩን ኩሎም፡ መስራቲ ጉባኤና፡ የቐንየልና!! ሞጎስ ይኹንኩም! ኢሉ ብዓውታን ብሓጎስን ንስለ’ቲ ጽቡቕ ምግባሮም ከቃልሕ እጽውዕ።


 

ይቕጽል

 

አብ መስራቲ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ሰሜን ኣሜሪካ ዝቐረበ መደረታት:ሓው ተስፋይ ተኽልዝጊ፡ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ፡ ሓው መዓሾ ኣስራት::




Contact the Association TSAWA@aol.com

Contact Tesfay Teclezghi @ "TTW"@sfr.fr



ዕላዊ መግለጺ
ሺካጎ 07-04-2010

ታሪኻዊ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሓምለ 3 2010 ኣብ ከተማ ሺካጎ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብዕሊ ተመስሪቱ።
 
















እተመርጸት ቦረድን ተቛጻጻሪትን ምስ ኣሕዋት ተስፋይ ተኽልዘጊ፡ ኣፈወርቂ ኣባይ፡ መዓሾ ኣስራት

ቅድም ኢሉ፡ ኣሳናዳኢት ሽማግለ ንምስንዳእ መስራቲ ጉባኤ ንምቛም ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ: ንምቅናዕ ኣብ ምንቅስቓስ ጸኒሓ።  ኣሳናዳኢት ሽማግለ፡ ማሕበር ዝምራሓሉ ውሽጣዊ ሕጊ፡ ፖሊሲ፡  ቅርጻ ኣመራርሓ  ነዲፋ ናብ ጉባኤ ኣቕሪባ። ጉባኤኛ፡ ንዝቐረበሉ ንድፊ ዘትዩ፡ ዘድሊ ምምሕያሻት ድሕሪ ምግባር ውሳኔታት ኣጽዲቑ። ጉባኤ፡ ንክልተ ዓመት፡ ማሕበር ንዝመርሕ ቦርድ መዚዙ።
 

ጉባኤ፡ ብተሳትፎ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ዋና-ጸሓፊ ተስፋይ ተኽለዝጊ ካብ ሃገር ፈረንሳ፡ ብምክትል ዋና-ጸሓፊ ኣፈወርቂ ኣባይ ካብ ሃገር ጀርመን፡ ብናይ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ምምራሕ መደበር ውጉኣት ሓርነት ዓቢ ግደ ዘበርከተ መዓሾ ኣስራት ካብ ሃገር ጀርመን፡ ብካብ ትሻዓተ ስተይትስ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፡ ብካብ ሃገር ካናዳ፡ ዝመጹ ጉባኤኛታት ኣዝዩ ድሚቑ ውዒሉ።ካብ 10 ንላዕሊ ዝኾኑ  ዝተፈላለያ ትካላትን ውል-ሰባትን ዝተላአኩ ናይ ስልክን ጽሑፍን መልእኽታት ተወሳኺ ፍናን ሂቦም አሰንዮሞ ውዒሎም፡።
 

ጉባኤ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ፡ ብዕላምኡ ይኹን ብተልእኽኡ ታሪኻዊ ዕዘት ኣለዎ። እዚ ንኣካለ-ጽጉማን ኣሕዋትን ኣሓትን ዝቖመ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር’ዚ፡ ኣብ መስራቲ ጉባኤኡ፡ ከም (1) ካብ ኩሉ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ጽልዋታትን ናጻ ኮይኑ ይንቀሳቐስ (2) ብመትከል፡ ካብ ብብሄራዊ፡ ብሃይማኖታዊ፡ ብፖለቲካዊ እምንቶታት፣ ብጾታዊ፡ ፍልልያትን፡ ጸጊዕነትን ከምኡ’ውን ካብ ካልእ ናይ ኣድልዎን ሻራነትን ዝምባሌታት ናጻ ኮይኑ ክነጥፍ (3) ንኩሎም ኣብ ዕላማን መትከላትን ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝኣምኑ ክፉት ክኸውን (4) ማሕበር፡ ንኣባላቱ፡ ንዕላማን ተልእኾን ናይ ማሕበር ተረዲኦም ዘድሊ ወፈያታት ንዘበርክቱ ኣካላትን ውልቀ-ሰባትን፡ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ፖሊሲ ከዘውትር ይህልዋ (5) ፈጻሚት ኣካል፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ፡ መጽናዕትን ዝምድናን ዘካይድ(ዱ) ሽማግለ/ኣካል ናብ ሱዳን- ክትልእኽ ወዘተ… ዝኣመሰሉ ውሳኔታት ከጽድቕ ክኢሉ።
 

ጉባኤ፡ (1) ንናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፡ በብጊዜኡ- ዘድልዮም ምሕደራዊ፡ ገንዘባዊ፡ ማሕበራውን ሞራላውን ሓላፍነት ወሲዶም ክፍጽሙ ንዝጸንሑን ዘለዉን ኣካላትን ውልቀ-ሰባትን፡ (2) ንጸገማት ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራ ናብ ህዝቢ ኣብ ምቅላሕ ግደታት ንዝፈጸሙ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ትካላት ዘርዚሩ፡ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪብሎም።
 

ንምሸቱ፡ ብወናማት ሙዚቃኛታት፡ ኣስመላሽ ክፍለማርያም- ውጉእ ሓርነት፡ ኣሮን ነጋሲ፡ ፋሲል መኮነንን፡ ቢንያም ካሕሳይን ተሰንዩን ደሚቑን፡ ንታሪኻዊ ምስረታ ማሕበር ዘንጸባርቕ ወንታት እናገንፈለ ክሳብ ሰዓት 2፡00 ወጋሕታ ቀጺሉ።


ሺካጎ 07-04-2010
ዓወት ንኣሳልጦታት ዕማማት ማሕበር

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና
ቦርድ ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉመን ሰሜን ኣሜሪካ።

 

ዕድመ ንምስራቲ ጉባኤ
ማሕበር ኣካለ ጽጉማን
ኤረትራውያን፡

ዝግበረሉ ቦታ
Andrew’s Greek Orthodox Church,
5649 N. Sheridan Blvd.
Chicago IL. 60660
5M 7 N Saturday July 3, 2010
Get Map & Directions »
Hotel Info:
 

ዝግበረሉ ዕለት
Saturday July 3, 2010

ዝግበረሉ ሰዓት
10፡00 ድ.ቀ. - 1፡00 ወጋሕታ

ካብ ዕዱማት
ውጉእ ሓርነት ተስፋይ ተኽልዝጊ (France)
ውጉአ ሓርነት፡ መዓሾ አስራት (Germany)
 ዉጉእ ሓርነት ኣፈወርቂ አባይ (Germany)
ኣቶ ናዝ የማነ ካብ ድምጺ ኤርትራ (Canada)

Contact:
Zehaie Mehari Tel 1-847 485 8379
Tesfaledet Abraha 773-550-8433
Hotel Info
Renaissance Chicago O'Hare Suites Hotel
8500 West Bryn Mawr Avenue
Chicago, Illinois 60631 USA
Phone:  1-773-380-9600
Fax:  1-773-380-9601
Sales fax:  1-773-399-6511

 

 
ክህብ ዝደለየ ብንያት፡ ክኸልእ ዝደለየ ብምኽንያት
ጸጋይ ነጋሽ
አ/ወ/ ኣሳናዳዊት ሽማግለ
መስራቲ ጉባኤ ማሕበር አካለ-ጽጉማን ኤርትራ
አብ ሰሜን ኣሜሪካ
06-24-2010
Message of Solidarity to North America Chapter of Disabled Eritreans Constituent Congress
Eritrean Democratic Association, Board of Directors Saturday, 26 June 2010 06:20

The Association of Disabled Eritreans (ADE) is convening a constituent congress in Chicago, Illinois in North America on July 3, 2010. This constituent congress will establish an Eritrean Association of Disabled Eritreans-North America Chapter.

Eritrean Democratic Association welcomes the establishment of Eritrean Association of Disabled Eritreans-North America Chapter and affirms its stand in solidarity with the Association of Disabled Eritreans, an association dedicated to the support of Eritreans who sustained heavy injuries during the 30-year war of independence, as well as Eritreans who became disabled as a result of natural causes.


 

ታሪኽ ነባሪ’ዩ። እቲ ታሪኽ ዝሰርሕ ሰብግን ይሓልፍ (ይመውት)፣ ነባሪ ሂወት የለን። ታሪኽ ናይ ህዝቢ ወይ ውልቀ-ሰባት ግን እንተ ብኣሉታ እንተ ብእወንታ፡ ድሕሪ ብህይወት ምሕላፎ’ውን እናተተረኸ ንወለዶታት ይነብር።
 

ሕድሪ ስዉኣትናን ናይ ውግእ ስንኩላትናን ዕዳ ኩላትና’ዩ

 

ዘለዎ ኢዩ ክህብ ዝኽእል ንብል። ቀሊልን ቅኑዕ ዘረባን ይመስል። ዘለዎ ዝህብ እንተዝኸውን ግን ጽጉም ወይ ስኡን ዝብሃል ሰብ ምናልባት ኣይምሃለወን። ዝህብ ርኹብ ወይ ጽጉም ኢዩ ኢልካ ኣይድምደምን። እንታይድኣ፡ ንያት ዘለዎ ሰብ ጥራሕ’ዩ ካብ’ታ ዘላቶ ተኻፊሉ ዝነብር። 

ብካልእ ገለጻ፡ “ድኻ መናን ይብሃል”። ድኻ ብሓፈሻ፡ ጸገምን ስእነትን ይርዳእ። ጽጉምን ስኡንን ክቕንዞ ከሎ፡ ንሱ’ውን ምስኡ ይቕንዞ፣ ስለዚ ድማ ይረድእ። “ክህብ ወይ ክገብር ዝደለየ ብንያት” ስለዝኾነ።

“ክኸልእ ዝደለየ ብምኽንያት” ድማ ይብሃል። “ብምኽንያት” ብእወንታ ወይ ብኣሉታ ትትርጎም። ኣብ’ዛ ምስላ ወይ ጥቕሲ እዚኣ “ብምኽንያት” እትብል ሓይለ-ቃል፡ ናይ ኣሉታ ትርጉማ’ያ ትሕብር። እምባኣርከስ፡ “ብምኽንያት” ነታ “ብንያት” ትብል ቃል ትዕንቅጻ።

ንያት ሓቂ’ያ። ንቕንዕናን ንጽቡቕ ምግባርን ስለተራጋግጽ። ምግባረ-ሓቂ ከኣ ንሞት’ውን ትረትዓ። ሓቂ ኣይተቕበርን ስለዝኾነት። ሓሶት ግን ንግዚኡ ጥራሕ’ያ ሃ-ገ-ግ! እናበለት ንኸባቢኣ ዕብልኽ! ትብሎ። እናሓደረት ግን ትጨኑ። ኣብ ጎዱፍ ትጓሓፍ… ኣይትግርምን።

 

ትማሊ መጋድልትና ሎሚ ሓላፍነትና

 

ቀጻሊ መግለጺ
ምስረታ ንኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን

ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ

ሚያዝያ 18 2010

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን፡ ብመሰረቱ ሓዱሽ ማሕበር ኣይኮነን። ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ብጉዱሳት ሃገራውያን ኣብ ሃገር ፈረንሳ ተመስሪቱ ኣብ ምንቅስቃስ ስራሕ ዝጸንሐ’ዩ።

እምነትና፡ ብኲናት ይኹን ብተፈጥሮ ንዝሰንከሉ ወገና ክንሕግዝ ኤርትራዊ ሓላፍነትና’ዩ። ንዝተወሰኑ ኣካላት ጥራሕ ዝምልከት ስለዘይኮነ። እወ፡ ምጥዋር ኣካለ-ጽጉማን (ናይ ሓርነት ውጉኣትና) ኣብ ከሰላ፡ ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ወይ ድማ ኣብ ውሑዳት ጉዱሳት ሰባት ተወሲኑ ጸኒሑ’ዩ። ንኩሎም ነዚ ሃገራዊ ሓላፍነት’ዚ ተሰኪሞም ንነዊሕ ዓመታት ክንቀሳቐሱን ግብኦም ከወፍዩን ንዝጸንሑን ኩሎም ምስጋና ይግበኦም።

 ናይ ሓርነት ውጉኣትና ኣብ ከሰላ

 

ኣገዳሲ ሓበረታ ንኩሉ ርትራዊ።  29.03.2010

                ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብዕሊ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ካብ ዝምስረት እነሆ 7 ዓመታት ኣሕሊፉ። ጨናፍሩ ከኣ ኣብ ሱዳንን ጀርመንን መስሪቱ ይርከብ። ሎሚ ዓመት ከኣ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ንምምስራት እነሆ ይዋደድ። ንዓወቱ ከኣ ፍጹም ምጥርጣር የብሉን። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ዕላማኡ ቁዱስን ሰብኣውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነጻን ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ መርሆ ዝዓተረ ስለዝዀነን ኢዩ።

 

Association of Disabled Eritreans in North America, Inc.

417 Buchanan Street, NW, Washington, DC 20011
FOR IMMEDIATE RELEASE

North America Chapter of the Association of Disabled Eritreans formed.
The Association of Disabled Eritreans in North America, Inc was officially formed under the provisions of the District of Columbia NonProfit Corporation Act on 9th day of March 2010 and complied with the requirements of the Internal Revenue Service.

ናይ ኤርትራ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን
ሓጺር ጸብጻብ ካብ ዝተመስረትሉ እዋን


እሱ ከኣ እቲ ሕግታት ምሕበር ምክታዕን ምጽጻይን፤ ስም ማሕበር ምሕራይን፤ ምስ ናይ ሃገርን መንግስትን ፈረንሳ ዘራኽበና ሕጋዊ መስኖታት፤ ምርኣይን፤ ብሓደ ወገን፤ በቲ ካልኣይ ወገን ከኣ ኵነታትን ሃለዋትን ናይቶም ኣብ መደበር ውጉኣት ሓርነት ከሰላ ዝነበሩ ዝነበሩ ጽጉማትን፤ ደቂቕ መጽናዕቲ ተገይሩ። እዚ ከኣ ብ2001 ዓ.ም.ፈ. ተደምደመ። ማሕበርና ከኣ ብዕለት 02.02.2002 ዓ.ም.ፈ. ተመስረተን ተኣወጀን።

Read More
ዓቢ ብስራት ንምምስራት ኤርትራዊ ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንሓምለ 3-4 ኣብ ከተማ ቺካጐ

(ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ) Sun 2/7/2010
ኤርትራ ብሰንኪ ነዊሕ ናይ ሓርነት ውግእ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ኣካልን ናይ መንፈስን (ኣእምሮ) ጽጉማን ዝርከቡዋ ሃገር’ያ። እዚ ኩነታት’ዚ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኣገዳሲ ማሕበራዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። ስለዝኾነ፡ ጸገም ናይ’ቶም ጥቑዓት ወይ ግዳያት ናይ’ዚ ሃለዋት’ዚ ጥራሕ ኮይኑ ክተርፍ ኣይግባእን። ናይ ሓርነት
 
Read More
ሌላ ምስ አብ ከሰላ ዝርከቡ ናይ ሓርነት ውጉአትና ቁ1 ሌላ ምስ አብ ከሰላ ዝርከቡ ናይ ሓርነት ውጉአትናቁ2
 

   

                         ምሕጋዝ ውጉኣት ሓርነት ተበግሶ ሕዳር 2008

02-08-2009
 

ኣገዳሲ ሓጺር መብርሂ

 

ሳላ ውፉይ ተበግሶን ሓልዮትን ናይ ኣዝዮም ብዙሓት፡ እቲ ናይ ቀዳማይ ሽቶ ዕማምና ተዓዊቱ። ዓመታዊ ባጀት ናይ 2009 ተረጋጊጹ። ወፈያን ግን ይቕጽል ኣሎ።

ዓመታዊ ባጀት ናይ 2009 ተረጋጊጹ ኢልና ክንሕብር ከለና፡ ጌና ክምለስ ዘለዎ ናይ ቀጻልነት ሕቶ ምህላው ከይጠቐስናዮ ኣይንሓልፍን። እንታይ?ዩ ናይ ቀጻልነት ሕቶ?

1.     ድሕሪ 2009፡ ደገፍናን ሓገዝናን ንውጉኣት ሓርነት ከመይ ኢሉ ኢዩ ክቕጽል?

2.     ዘላቒ ፍታሕ እንታይን ከመይን ዝበለ ኢዩ? ወይ ብቐጻሊ ንውጉኣት ሓርነትና ኩሉ ኣኸለ-መሰለኦም ዝኸትት ውሕስነት፡ ከመይ ከነረጋግጾ ንኽእል?

ብውሕዱ ነዘን ሕቶታት እዚኣተንን፡ ብቕልጡፍ ምምላስ ኣገዳሲ ኮይኑ ኣሎ።
 Read More

ትማሊ መጋድልትና ሎሚ ሓላፍነትና

 

gfdfgfgddfgdfgdfg